ትግርኛ | Tigrinya

ሓበሬታ ብትግርኛ

ኦራንጅ ዶር ኣብ ስድራ ቤት ንዝፍጸም ዓመጽ ከምኡውን ኣብ ጥዕናን ዕቤትን ቈልዑ ደገፍ ንዘድልየን ስድራ ቤታት ሓገዝን ደገፍን ይህብ።

ሓድሓደ ግዜ ኣብ ቤትካ ወይ ኣብ ርክባትካ ዘሎ ዅነታት ጽቡቕ ኣብዘይኾነሉ እዋን ሓገዝን ደገፍን የድልየካ እዩ። ኦራንጅ ዶር ክሰምዓካን ብቕልጡፍን ብቐሊልን ዘድልየካ ደገፍ ንኽትረክብ ክሕግዘካን ተዳሊዩ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሓደጋ እንተ ሃሊኻ ሰለስተ ዜሮ (000) ደውል።

ኦራንጅ ዶርከምዚ ዝስዕብ እንተድኣ ዀይኑ ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ፦

  • ኣብ ኣተዓባብያ ቘልዑ ሓገዝ ዘድልየኩም እንተኾይኑ፣ ወይ ከኣ ብዛዕባ ጥዕና ወይ ዕቤት ውሉድኩም ወይ መንእሰይ ትጭነቚ እንተሊኹም።
  • ሓደ ዝቐርበካ ሰብ ከም ናይ ሓዳር ብጻይካ፣ ወይ ዝተፈለኻያ ናይ ቀደም መጻምድትኻ፣ ኣባል ስድራ ቤትካ ወይ ኣላዪኻ ዝኣመሰለ ፍርሂ ወይ ምስኣን ውሕስነት ከም ዝስምዓካ ይገብር ኣሎ።
  • ድሕንነት ዘይስምዓካ ወይ ስባት ከምዝግደሱልካ ዘይስመዓካ ቘልዓ ወይ መንእሰይ ኢኻ።
  • ሃሳዪ ተግባር ወይ ናይ ምጥቃም ወይ ናይ ምቁጽጻር ባህሪ ናይ ምምዕባል ሓደጋ አሎኻ፣ ወይ ከኣ ኣብ ቤትካ ወይ ኣብ ርክባትካ ነዚ ባህሪያት እዙይ ሓገዝ የድልየካ እዩ።
  • ብዛዕባ ድሕንነት ሓደ እትፈልጦ ሰብ ትጭነቕ ኢኻ።
  • ኣብ ስድራ ቤትካ ዓመጽ ኣጋጢሙካ እዩ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ከም ሓደ ናበይ ከም እትኸይድ፣ መን ከም እትበጽሕ ወይ ብኸመይ ገንዘብ ከም እተውጽእ ዝከታተል ናይ ምቁጽጻር ባህሪ ዘለዎ ሰብ እዩ።

ኦራንጅ ዶር ነዚ ዝስዕብ ብምግባር ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ፦

  • ጽን ኢልካ ብምስማዕን፣ እንታይ ከምዘጨንቐካ ምስማዕን።
  • ነቲ ዘድልየካ ሓገዝን ደገፍን ንምልላይ ምሳኻ ይሰርሕ።
  • ኣብ ድሕንነትን ዕቤትን ቈልዑን መንእሰያትን ምሕጋዝ።
  • ንዓኻን ንደቅኻን ድሕንነት ዝተሓለወ ንኽኸውን መደብ ከተውጽእ ምሕጋዝ።
  • ክሕግዙ ምስዝኽእሉ ከም ናይ ምኽሪ፣ መንበሪ፣ ኣብ ናይ ስድራ ዓመፅ ደገፍ ዝህቡ፣ ናይ ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ሓሽሽን ኣልኮላዊ መስተን፣ ኣብ አተዓባብያ ደግፍ ዝህቡ ጕጅለታት፣ ኣገልግሎት ቈልዑ፣ ቍጠባዊ ሓገዝ ወይ ሕጋዊ ደገፍ ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት የራኽበካ/ኪ።
  • ንመሰረታዊ መነባብሮ ዘድሊ ወጻኢታትን ካልእ ወጻኢታትን ንኽትረክብ ይሕግዘካ።
  • ኣብ ቤትካ ወይ ኣብ ርክባትካ/ኪ ሃሳዪ ተግባር ትጥቀም ወይ ናይ ምቁጽጻር ባህሪ ተርኢ እንተሊኻ ለውጢ ንኽትገብር ምሳኻ ይሰርሕ።

ከመይ ገይረ እየ ምስ ኦራንጅ ዶር ክራኸብ ዝኽእል?

ኦራንጅ ዶር ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ሰዓት 9 ንጉሆ ክሳዕ ሰዓት 5 ናይ ምሸት (ኣብ ህዝባዊ በዓላት ይዕጾ) ክፉት ኢዩ።

ኣብ ከባቢኻ ዘሎ አገልግሎት ንምርካብ ብኸባቢ ወይ ብኮድ ጶስጣ ድለ።

ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥ ዝሕግዝ መሳርሒታት እንተ ተጠቒምካ ወይ ከኣ ኣስተርጓሚ እንተ ደሊኻ እቲ ኦራንጅ ዶር ምሳኻ ክሰርሕ ይኽእል እዩ።

ኣስተርጓሚ የድልየኒ

ኣስተርጓሚ ዘድልየካ እንተ ዀይኑ ነቲ ኣገልግሎት ኣፍልጦ። ነቲ ኣገልግሎት እዚ ዝስዕብ አፍልጦ፦

  • ቍጽሪ ተሌፎንካ
  • ቋንቋኻ
  • ብደሓን ክትድውል ትኽእለሉ ሰዓት።

ድሕሪኡ ኣስተርጓሚ መሊሱ ክድውለልካ እዩ።

እቲ ኦራንጅ ዶር ንዓይ ዝተዳለወ ኣገልግሎት ድዩ?

ኦራንጅ ዶር ኣብ ዝዀነ ይኹን ዕድመ፣ ጾታ፣ ዓይነት ጾታዊ ርክብ፣ ባህሊ፣ ከምኡውን ክእለት ንዘለዎም ሰባት እንቋዕ ብድሓን መጻእኩም ኢሉ እዩ ዝቕበሎም። ኵሉ ባህላውን ሃይማኖታውን ምርጫታት ይኽበር እዩ። ምስ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ወይ ጓል ኣንስተይቲ ክትሰርሕ ትደሊ እንተ ዄንካ ነቲ ሰራሕተኛ ኣፍልጦ። እቲ ኦራንጅ ዶር ዝተፈላለየ ድሌት ውልቀ-ሰባትን ንስድራ ቤታትን ንምምላእ ምስ ናይ እተፈላለየ ባህሊ ኣገልግሎታት፣ ምስ ኣገልግሎት ኤልጂቢቲኣይ (LGBTI) ከምኡውን ምስ ኣገልግሎት ጉዱኣት ኣካል ይሰርሕ እዩ። ሰራሕተኛታት ብዛዕባ ኣማራጺታት ሓበሬታ ኽህቡኻን ምስቲ ድልየካ ኣገልግሎት ከራኽቡኻን እዮም።

ስደተኛ እንተ ዄይንካ ወይ ቀዋሚ መንበሪ እንተ ዘይብልካ እውን ክንሕግዘካ ንኽእል ኢና። እዚ ብናጻ ዝቐርብ ኣገልግሎት ስለ ዝዀነ ብምኽንያት ናይ ስደት ኩነታትካ ደገፍ ምድላይ ኣይትፍራህ። ብዛዕባ ዅነታትካ ብተሌፎን ወይ ብኣካል ክትመያየጥ ትደሊ እንተ ዄንካ/ኪ ንሰራሕተኛታት ኦራንጅ ዶር ንገር።

ኦራንጅ ዶር ክፉት እንተዘይኮይኑ ናበይ ክኸይድ ኣሎኒ?

ነዞም ዝስዕቡ ኣገልግሎታት ካብዘን ሰዓታት እዚኣተን ወጻኢ ርኸቦም፦

  • ናይ ደቂ ተባዕትዮ መወከሲ ኣገልግሎት/Men’s Referral Service ብ1300 766 491 (ሰኑይ-ዓርቢ ሰዓት 8 ናይ ንጉሆ ክሳዕ ሰዓት 9 ናይ ምሸት ከምኡውን ሰዓት 9 ናይ ንጉሆ ክሳዕ ሰዓት 6 ናይ ምሸት ቀዳም፣ ሰንበትን ኣብ ህዝባዊ በዓላትን ) (ናይ ሰብኡት ናይ ስድራቤት ዓመጽ ምኽሪ ተሌፎንን ሓበሬታን መወከሲ ኣገልግሎትን)
  • ሴፍ ስቴፕስ (Safe Steps) ነቶም ግዳያት ናይ ስድራቤት ዓመጽ ደገፍ ዝህብ አገልግሎት እዩ 1800 015 188 (24 ሰዓት ኣብ ሰሙን 7 መዓልቲ)።ሴፍ ስቴፕስ (Safe Steps) ብኢ-መይል ክትረኽቦም ወይ ከኣ ብኢንተርነት (ወብ ቻት) ኣቢልካ ዝህብዎ ደገፍ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ
  • ናይ ግዳያት ገበን ቀጥታ ናይ ሓገዝ መስመር (Victims of Crime helpline) (ንዅሎም ግዳያት ገበንን ግዳያት ዓመጽ ስድራ ቤት ዝዀኑ ብጾሓት ተባዕትዮ) 1800 819 817 ወይ ከኣ ቴክስት 0427 767 891 (መዓልታዊ 8 ንጉሆ-11ናይ ምሸት)
  • ሕጹጽ መስመር ጾታዊ መጥቃዕቲ (Sexual Assault Crisis Line) ነቶም ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝተዳለወ እዩ፣ 1800 806 292 (24 ሰዓት ኣብ መዓልቲ 7 መዓልቲ ኣብ ሰሙን)

ንስኻ ወይ ካልእ ሰብ ኣብ ቅጽበታዊ ሓደጋ እንተ ሃሊዩ ህጹጽ ሓገዝ ንምርካብ ሰለስተ ዜሮ (000) ደውል።

ግብረ መልስን ሓለዋ ምሽጥር ብሕታውነት

ብዛዕባ እቲ ምስ ናይ ኦራንጅ ዶር ዘሕለፍካዮ ተመክሮ ሓሳብ ክትህብ እቲ ናይ ኦንላይን ሓሳብ መውሃቢ ቅጥዒ ኣብ orangedoor.vic.gov.au/feedback ምጥቃም ወይ ከኣ 1800 312 820 ብምድዋል ንሰራሕተኛኻ፣ ንሃላፊኡ ወይ ንኣመሓዳሪ ኸተዘራርቦ ምሕታት ትኽእል ኢኻ።

ምሕላው ምሽጥር ብሕታውነት ግቡእ ክብደት ንህበሉ ጉዳይ እዩ። ሓበሬታኻ ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ንምፍላጥ በጃኻ ነቲ ናይ ሓለዋ ምሽጥር ብሕታውነት ፖሊሲና ረአ።

Updated