The Orange Door

Tigrinya

  

The Orange Door እንታይ እዩ፧

The Orange Door፡ ስድራ ቤታዊ ዓመጽ ንዘጋጥመን ደቂ ኣንስትዮን ቈልዑን መንእሰያትን ኰነ ነተን ንቘልዑ ወይ ንመንእሰያት ኣብ ምእላይ ደገፍ ዘድልየን ስድራ ቤታት ኣገልግሎት ዝህብ ትካል እዩ።  ካብ The Orange Door ሓገዝ ንምርካብ ናይ ደገፍ ወረቐት ክጽሓፈልካ ግድን ኣድላዪ ኣይኰነን። 

The Orange Door ብኸመይ ክሕግዘኒ ይኽእል፧

እዚ ዝስዕብ ነገራት እንተ ኣጋጢሙካ ን The Orange Door ርኸቦም፦
  • ከም መጻምድትኻ፡ ኣባል ስድራ ቤትካ፡ መቓምጥትኻ፡ ወይ ኣላይኻ ዝኣመሰለ ዝቐርበካ ሰብ ይጐድኣካ፡ ይቈጻጸረካ፡ ወይ የፍርሃካ እንተ ኣልዩ
  • ብሰንኪ ናይ ስድራ ቤት ግጭት፡ ናይ ገንዘብ ጸገም፡ ሕማም፡ ወልፊ፡ ሓዘን ወይ ተነጽሎ ቈልዑ ከተዕቢ ትጽገም እንተ ኣሊኻ
  • ብዛዕባ ድሕንነትን ጥዕናን ቆልዓ ወይ መንእሰይ ትሻቐል እንተ ኣሊኻ
  • ብዛዕባ ድሕንነት ፈታዊኻ ወይ ኣባል ስድራ ቤትካ ትሻቐል እንተ ኣሊኻ
ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘይብልካ ስደተኛ እንተ ዄንካ እውን ክንሕግዘካ ንኽእል ኢና። ብሰንኪ ናይ ወረቐትካ ኩነታት፡ ካባና ሓገዝ ንምሕታት ኣይትሰከፍ።  እዚ ብዘይ ክፍሊት ዝውሃብ ኣገልግሎት እዩ።  ብዛዕባ ኹነታትካ ንምዝርራብ ብተሌፎን ዲኻ ወይስ ብኣካል ናብ ቤት ጽሕፈትና ክትመጽእ እትደሊ ንሰራሕተኛታት The Orange Door ኣፍልጦም።  

ኣስተርጓሚ የድልየኒ እዩ

ኣስተርጓሚ ዘድልየካ እንተ ዀይኑ ንወሃብቲ ኣገልግሎት ኣፍልጥ።  ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ነገራት ኣፍልጦም፦  
  • ቁጽሪ ተለፎንካ
  • ቋንቋኻ
  • ክድወለልካ ዘይትስከፈሉ እዋን
ሽዑ ኣስተርጓሚ ክድውለልካ እዩ  

ኣገልግሎት The Orange Door ንዓይ ተባሂሉ እተዳለወ ድዩ፧

The Orange Door ዝዀነ ይኹን ዕድመ፡ ጾታ፡ ጾታዊ ምርጫ፡ ክእለት ዘለዎም ሰባት ሓንጐፋይ ኢሉ ይቕበል እዩ። ንኹሉ ባህላዊ ኰነ ሃይማኖታዊ ምርጫታት ነኽብሮ ኢና። ነቲ ሰራሕተኛ፡ ምስ ወዲ ተባዕታይ ወይ ጓል ኣንስተይቲ ሰራሕተኛ ክትዓዪ ከም እትመርጽ ሓብሮ  The Orange Door ነቲ እተፈላለየ ድሌታት ውልቀ ሰባትን ስድራ ቤታትን ንምምላእ ምስተን ነቶም እተፈላለየ ባህልታት ዘለዎም፡ እተፈላለየ ናይ ጾታ ምርጫ ዘለዎም (LGBTI)፡ ከምኡ እውን ነቶም ስንክልና ዘለዎም ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ተሓባቢሩ ይዓዪ እዩ።  ሰራሕተኛታት ትካልና ብዛዕባ እተፈላለየ ኣማራጺታት ሓበሬታ ክህብኹምን ምስ ዘድልየኩም ኣገልግሎት ከራኽብኹምን እዮም።  

The Orange Door ኣበይ ይርከብ፧

ኣብ ከባቢኻ ኣገልግሎት ዝህብ ቦታ ንምርካብ ናብ www.orangedoor.vic.gov.au ብምእታው ካርታ ርአ።

The Orange Door ክፉት ዝዀነሉ ሰዓታት መዓስ እዩ፧

The Orange Door ካብ 9 ቅድሚ ቀትሪ ክሳዕ 5 ድሕሪ ቀትሪ፡ ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ክፉት እዩ (ህዝባዊ በዓላት ዕጽው እዩ)።  

The Orange Door ክፉት ኣብ ዘይኰነሉ ሰዓትከ ናበይ ክኸይድ ይኽእል፧

ካብዚ ሰዓታት እዚ ወጻኢ ናብዚ ዝስዕብ ኣገልግሎት ክትድውል ትኽእል ኢኻ፦
  • ኣገልግሎት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ 1300 766 491 (8 ቅድሚ ቀትሪ-9 ድሕሪ ቀትሪ ሰኑይ-ዓርቢ ከምኡ እውን 9 ቅድሚ ቀትሪ-5 ድሕሪ ቀትሪ ቀዳምን ሰንበትን) (ንግዳያት ስድራ ቤታዊ ዓመጽ ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ ብተሌፎን ዝውሃብ ምኽሪ፡ ሓበሬታ፡ ኣገልግሎት)
  • ድሕንነት ስድራ ቤታዊ ዓመጽ ደገፋዊ ኣገልግሎት ኣብ 1800 015 188 (24 ሰዓታት፡ 7 መዓልቲ ኣብ ሰሙን) ግዳያት ስድራ ቤታዊ ዓመጽ ንዝዀና ደቂ ኣንስትዮን ቈልዑን
  • ንግዳያት ገበን ዝኸውን መስመር (ንኹሎም ግዳያት ገበንን ካብ ዓብዪ ዝዀነ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ስድራ ቤት ዓመጽ ንዘጋጥሞምን) 1800 819 817 (8 ቅድሚ ቀትሪ – 11 ድሕሪ ቀትሪ፡ መዓልታዊ)
  • መስመር ጾታዊ ዓመጽ ንግዳያት ጾታዊ ዓመጽ እተዳለወ እዩ 1800 806 292 (5 ድሕሪ ቀትሪ – 9 ቅድሚ ቀትሪ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ፡ 24 ሰዓታት፡ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ኰነ ኣብ ህዝባዊ በዓላት)

ንስኻ ኰነ ካልእ ሰብ ንህጹጽ ሓደጋ እንተ ተቓሊዕኩም፡ ህጹጽ ሓገዝ ንምርካብ ናብ  ሰለስተ ዜሮ (000) ደውል።